ቢቢሲ ትግርኛ ቻነል ዋትስኣፕ፡ ብኸመይ ትጽንበርዎን ዝበለጸ እዋናዊ ሓበሬታ ትረኽቡን
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመና ዘገድስ ህጹጽ ዜና፡ ትንታነ፡ ፍሉይ ዓንቀጽ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕኩም ክትረኽቡ ትኽእሉ።
ጋዜጠኛታትና፡ ብፍላይ ንሰዓብቲ እዚ ሓድሽ ቻነል ዋትስኣፕ፡ ምሩጻት ኣገደስቲ ዜናታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓለምን ብጽሑፍ ቪድዮን በብእዋኑ ብሞያዊ ዕቱብነት የቕርቡ።
እዚ ኣብ 2023 ዝተኣታተወ ቻነል ዋትስኣፕ፡ ተጠቀምቲ ካብ ዘገድስዎም ሰባትን ትካላትን እዋናዊ ሓበሬታ ክረኽቡ ዕድል ይህብ። ኣብ መስከረም 2023፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝጀመረ ቻነል ዋትስኣፕ ቢቢሲ ኸኣ ኣብዚ እዋን 1.3 ሚልዮን ሰዓብቲ ኣለዉዎ።
ሕጂ ድማ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይዅን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘለዉ ተኸታተልትና፡ ዝተመርጸ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ፡ ኣብ ተሌፎኖም ከስተማቕሩ ክኽእሉ እዮም።
ኣብ ሞባይልኩም መተግበሪ ዋትስኣፕ እንተለኩም ወይ ብመርበብ ዋትስኣፕ ትጥቀሙ እንተዄንኩም ነዚ መላግቦ ቻነል ዋትስኣብ ብምጥዋቕ ሳብስክራይብ ግበሩ።
ነዚ፡ ኣብ ኮምፒዩተርኩም ተንብብዎ እንተሃሊኹም፡ ነዚ ኮድ ኪዩኣር ስካን ምስ እትገብሩ፡ ብቐጥታ ናብቲ ቻነል ክመርሓኩም እዩ።
ብተወሳኺ፡ ንመርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ፡ ኣብ መተግበሪ ዋትስኣፕ ኣብ ትሕቲ መልጐም “Updates” ከተናድይዎ ትኽእሉ።
መልጐም “Updates”፡ ኣይፎን ዝዓይነታ ሞባይል እንተዄንኩም ኣብ ታሕተዋይ-ጸጋም ስክሪን፡ ኣንድሮይድ ሒዝኩም እንተለኹም ከኣ ኣብ ላዕለዋይ ስክሪን ኣለኩም።
እዚ ድማ ካብቲ ቀንዲ መልእኽቲ ትጸሓሓፉሉ ተፈልዩ፡ ትሕዝቶና ዝረኣየሉ ገጽ እዩ።
ነታ ኣብ ላዕሊ እቲ ቻነል ዘላ ምልክት ደወል ብምጥዋቕን ‘unmute’ ብምግባርን፡ እዋናዊ ሓበሬታ ኣይክሓልፈኩምን እዩ። ኣብ ዝዀነ እዋን ድማ ነዚ ክትመልስዎ ትኽእሉ ኢኹም።
ንዝዀነ ትሕዝቶና ‘ኢሞጂታት’ ተጠቒምኩም ስምዒትኩም ዘንጸባርቕ ግብረመልሲ ክትህቡሉ፤ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣብ መዝገብኩም ናብ ዘለዉ ሕሳባት ውልቀ ይዅን ጕጅለ ዋትስኣፕ ብቐሊሉ ከተሰጋግሩ ትኽእሉ።
ወናኒ ዋትስኣፕ፡ ፈይስቡክን ኢንስታግራምን ዝዀነ ትካል ሜታ፡ ዝዀነ ኣብዚ ቻነል ዘሎ፡ ዝርዝራት ውልቀ ሓበሬታኹም፡ ስእሊ፡ ስም ወይ ቍጽሪ ተሌፎን ክርእዮ ከምዘይክእል ይገልጽ።
ብዛዕባ ብሕትውና ቻነል ዋትስኣፕ ቢቢሲን ማሕበረሰብን፡ ብመገዲ እዚ መላግቦ ዝያዳ ምፍላጥ ይከኣል።