ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዘይቅዋምን ምርጫን ንልዕሊ 34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ መራሒ
ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ሓደ እዋን ሓደ ካብ ትስፉዋት ሓድሽ ወለዶ ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ተባሂሉ መጐስ ረኺቡ ዝነበረ ፕረዚደንት ኤርትራ፡ ኣብዚ ን34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሓሉ ግዜያት፡ ትጽቢት ብዙሓት ዝምልስ ኰይኑ ኣይተረኽበን።
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣብ ሕምብርቲ ኣስመራ ንዝርከብ ቤተመንግስቲ ሓዲጉ፡ ዝበዝሕ ግዜኡ ኣብታ ካብ ኣስመራ 20 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ገጠር እዩ ዘሕልፎ ዘሎ።
ካብ 2018 ንደሓር ካቢነ ምኒስተራት ኣይተኣከበን፣ ኵሉ ስልጣን ድማ ኣብ ኢዱ ይርከብ። ኣብዛ ቤትጽሕፈቱ ኰይኑ ከኣ ሰበስልጣን ውሽጢ ዓድን ሹመኛታት ወጻእን ይቕበል።
ተራ ዜጋታት ኤርትራ'ውን፡ ንኢሳይያስ ረኺቦም ጸገማቶም ክፍትሓሎም ዝሓትሉ ቦታ'ውን እዩ።
እዚ ወዲ 79 ዓመት ፕረዚደንት፡ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሉ እዋናት ምርጫ ኣካዪዱ ኣይፈልጥን፣ ኣብዚ ቀረባ ግዜያት ለውጢ ናይ ምግባር ምልክታት'ውን ኣየርኣየን።
ኣብ 1990ታት ኵነታት ካብዚ ናይ ሎሚ ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ ነይሩ።
ኢሳይያስ ንህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ መሪሑ ብ1991 ንኢትዮጵያ ኣብ ዝሰዓረሉ፡ ወዲ 45 ዓመት እዩ ዝነበረ። እቶም ንናጽነት ኤርትራ ህይወቶም ዝሃቡ ሰማእታት ኤርትራ ድማ ዓመታዊ ኣብ 20 ሰነ ይዝከሩ።
እቲ ግርማ መጐስ ዝነበሮ ኢሳይያስ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ንሓያሎ ዘነቓቕሐ ተስፋ ብዙሓት ነበረ።
ኣብ 1993፡ ኤርትራውያን መሰል ርእሰ-ውሳነኦም ብረፈረንዱም ምስ ኣረጋጋጹ፡ ኢሳይያስ ንፈለማ እዋን ከም መራሒ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ተራእየ።
ኣብ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተሳተፈሉ፡ ነቶም ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ወለዶ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ "ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክዅየጡ ዝደልዩ፡" ክብል ዘሊፉዎም።
ኤርትራ፡ ነቲ ፍሹል ኣካይዳ ፈጺማ ከም ዘይትደግሞ ቃል ብምእታው፡ ንማሕበረ-ቍጠባዊ ምዕባለ ህዝቡ መሰረት ዝኸውን ደሞክራስያዊ ስርዓት ክተክል ቃል ኣተወ። እዚ መርገጺኡ'ዚ ድማ ካብ ኤርትራውያን ኰነ ዲፕሎማሰኛታት ናእዳ ኣውሓዘሉ።
እዋናት ሕጽኖት ናጽነት ኤርትራን ድሙቕ ኣህጉራዊ ኣቀባብላን እናኣስተማቐረ፡ ምስ ምዕራባውያን ጥቡቕ ዝምድና ክገብር ደለየ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ቢል ክሊንተን ኣብ 1995 ንፕረዚደንት ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኦቫል ኦፊስ ድሕሪ ምዕዳሙ፡ እታ ሃገር ኣብ ጐደና ደሞክራሲ ንዝጀመረቶ ሓያል ስጕሚ ኣድናቘቱ ገለጸ።
በቲ ግዜ'ቲ፡ ኤርትራ ልዕልና ሕግን ደሞክራስያዊ ስርዓትን ንምትካል፡ ትጽቢት ዝተገብረሉ ቅዋም ምንዳፍ ጀሚራ ነበረት።
ቅዋማዊ መንግስቲ ክሳዕ ዝቐውም ድማ ኢሳይያስ ከም "መሰጋገሪ ፕረዚደንት" ክኽውን ተመርጸ። እቲ ዝተነድፈ ቅዋም ኤርትራ ብግንቦት 1997 ብባይቶ ጸደቐ።
ኤርትራውያንን ማሕበረሰብ ዓለምን ብ1998 ሃገራዊ ምርጫ ክካየድ እናተጸበዩ ግን፡ ብሰበብ ዶብ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጐረቤት ኢትዮጵያን ኲናት ተወልዐ።
ኢሳይያስ ነቲ ኲናት ከም መመኽነይታ ተጠቒሙ ነቲ ምርጫ ንዘይተወሰነ ግዜ ከም ዘናውሖ ገለ ኣካላት ይኸሱ።
ሕብረ-ውድባዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክህሉ ቃል ኣትዩ ብምንባሩ፡ እቲ ኲናት ኣብ 2000 ብውዕል ኣልጀርስ ደው ምስ በለ፡ እቲ ፈተና ሓሊፉ ጸንሖ።
ብጾቱን ናይ ቀረባ ፈተውቱን ዝርከቡዎም ሓያሎ ምኒስተራት ኣባላት ካቢነኡ ጽገና ወይ እረማ ክጽውዑ ጀመሩ።
ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ - ድሒሮም ጕጅለ 15 ብዝብል ዝተፈልጡ - ኣብ መጋቢት 2001 እቲ ፕረዚደንት ስልጣኑ ብዘይግቡእ ተጠቒሙ ምልካዊ ስርዓት እናንገሰ ይኸይድ ከም ዘሎ ከሲሶም፣ ቅዋም ግብራዊ ክኸውንን ሃገራዊ ምርጫ ክካየድን ከኣ ጸዊዖም።
ኤርትራውያን ካብ ካልኣይ ክፍላ 1990ታት ኣትሒዞም ብሳላ እተን እናዓንበባ ዝመጽኣ ዝነበራ ጋዜጣታት ብሕቲ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ከስተማቕሩ ጀሚሮም ነበሩ - ዋላ ኣባላት ናይቲ መሪሕ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሒን ከይተረፉ።
መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ምርጫ መዓስ ከም ዝካየድ ወሰነ። ኮምሽን ምርጫ ይጣየስ ከም ዝነበረን ንምቛም ፖለቲካውያን ሰልፍታት ዝምልከት ኣብ ምጕት ከም ዝነበረን ይፍለጥ።
ሃገር ኣብቲ ናብ ደሞክራስያውነት ዝወስድ ኣውራ ጐደና ሰለይ ትብል ዝነበረት ትመስል።
እንተዀነ፡ እቲ ፍቕቕ ኢሉ ዝነበረ ማዕጾ መሊኡ ክርሖ ትጽቢት እናተገብረሉ - ኣቓልቦ ዓለም ኣብ መጥቃዕቲ 11 መስከረም ኣመሪካ ኣብ ዝነበረሉ እዋን - ኣብ መስከረም 2001 ሃንደበት ተዓጽወ።
ንዅለን ጋዜጣታት ብሕቲ ኣብ ሓደ ንግሆ ብምዕጻው ክስማዕ ጀሚሩ ንዝነበረ ኣማራጺ ድምጺታት ለዀዅዎ። ዝበዝሑ ኣዳላውትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ትሕቲ መቝሑ ኣትዮም፣ ክሳዕ ሕጂ ሃለዋቶም ኣይፍለጥን።
ኤርትራውያን እቲ ብመሪር ቃልሶም ፈጢሮሞ ዝነበሩ ተስፋ፡ ጭልምልም በለ።
ካብቶም እረማ ዝጠለቡ መራሕቲ መንግስቲ 11 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣተዉ፤ ሰለስተ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኰይኖም ዘገልገሉ፡ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝነበረን ሓያሎ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ይርከቡዎም። ካብ ሽዑ ጀሚሮም ድማ ደሃዮም ኣይተሰምዐን።
ተስፋ ኣብዝሓ ኤርትራውያን ቀሃመ።
ኢሳይያስ ግና ድሮ ደሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ምትእትታው ርሒቑ ነበረ።
ኣብ ሚያዝያ 2001፡ "ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ክሳተፍ ዝዀነ ሓሳብ ነይሩኒ ኣይፈልጥን፡" በለ።
"ሕጂ ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፊ ክሳተፍ ዝዀነ ሓሳብ የብለይን፣ ኣብ መጻኢ'ውን ዝዀነ ሓሳብ ኣይክህልወንን'ዩ፡" ክብል ተሰምዐ።
ብተወሳኺ ንደሞክራስያዊ መስርሕ "ዕግርግር" ክብል ብምግላጽ፡ ህዝባዊ ግንባር "ውድብ ኣይኰነን፡ ሃገር እዩ፡" ክብል ሓበረ።
እቲ ፕረዚደንት ደሞክራስያዊ እረማታት ወይ ጽገናታት ክካየድ ከም ዘይፈቅድ ንብዙሓት ንጹር ኰነ።
ነቐፌታታት ዓቢሱ ምርጫ ዘይምክያዱን፡ ንዓኡን ንሃገሩን ተነጽሎን ብኻልኦት ዘይፍተውን ክዀኑ ባብ ከፈተ።
እንተዀነ፡ ደገፍቱ ብዘይፍትሓዊ መዳይ ብሃገራት ምዕራብ ዒላማ ከም ዝተገብረን ትእምርቲ ሃገራዊ ሓርነት ክብሉ ይንእዱዎን።
ምንጪ ስእሊ, Gamma-Rapho via Getty Images
ኣብ 2002፡ ነቲ ናብ ተሓታትነት ከቕርቦ ዝኽእል ዝነበረ ሃገራዊ ባይቶ ብዘይ ወግዓዊ መንገዲ ኣፍረሶ። ኣብ 2018 ነቲ እንኮ ተሪፉ ዝነበረ ካቢነ ምኒስተራት'ውን ኣዳገሞ።
እዞም ሓቀኛ መዚ ዘይብሎም ዝሸምገሉ ምኒስተራት፡ ነተን ኣብ ሰንኮፍ ዝርከባ መንግስታውያን ትካላት ይመርሑ። ንምኒስትሪታት ምክልኻልን ዞባዊ ምምሕዳርን ሓዊሱ ገለ ምኒስትሪታት ብዘይ ምኒስተራት ይርከባ።
እቲ ኣብ ጕዕዞ ቃልሲ ንናጽነት ጅግና ዝነበረ፡ ብኸመይ ዓፋኒ መልክዕ ሒዙ ዝብል ሕቶ ብዙሓት ኰይኑ ቀጸለ።
ኣመሓዳሪ ዞባን ኣምባሳደርን ዝነበረ ዓብደላ ኣደም፡ ኢሳይያስ ኣብ ደሞክራሲ ኣሚኑ ኣይፈልጥን፣ ወትሩ ድማ ስልጣኑ ኣብ ምሕላው ተጸሚዱ ከም ዝነበረ ይዛረብ። ቅድሚ ናጽነት ከይተረፈ ንህዝባዊ ግንባር ብዘይ ሕንዳ ይመርሖ ከም ዝነበረ፡ እቲ ሕጂ ኣብ ስደት ዝነብር ዘሎ ዓብደላ ይገልጽ።
"ነቶም ክብድህዎ ዝኽእሉ ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ዝነበሮምን ገድሊ ዝመርሑን ብሜላ ኣዳኺሙዎምን ኣልዩዎምን እዩ።"
ንገለ ሰባት ዘገረመ፡ ኢሳይያስ ኣብ ግንቦት 2014 ሓድሽ ቅዋም ንምንዳፍ መደብ ከም ዘለዎ ኣፍለጠ። ድሒሩ ድማ ነቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም፡ "ሞይቱ፡" በለ። እንተዀነ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ብዛዕባ'ቲ ክንደፍ እዩ ዝበሎ'ውን ዝዀነ ምዕባለ ኣይተራእየን።
እቲ ሓድሽ ቅዋም ምንዳፍ ዝብል ሓሳብ፡ ካብቲ ኣብ 2013 ብላዕለዎት ወተሃደራውያን መኮንናትን ፖለቲከኛታትን ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ዝነቐለ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ታንክታት መሪሖም ናብታ ርእሰ-ኸተማ ብምእታው፡ ንሓያሎ ሰዓታት ሃገራዊ መደበራት ተለቪዥንን ራድዮን ተቘጻጺሮም።
ኣብቲ ኣጋጣሚ'ቲ፡ ቅዋም 1997 ክትግበርን ፖለቲካውያን እሱራት ክፍትሑን ብተለቪዥንን ራድዮን ክጽውዑ ፈቲኖም። ሓይልታት ጸጥታ ግን ነቲ ኣብ ቤት ገርግስ ዝነበረ መደበር መከፋፈሊ ፈነወ ስለ ዝዓጸውዎ ኣብ እዝኒ ህዝቢ ኣይበጽሐን።
ብዙሓት ሰበስልጣን - ምኒስተር ጸዓትን ማዕድናትን፡ ሓደ ኣመሓዳሪ ዞባ፡ ዲፕሎማሰኛታትን ሓደ ጀነራልን ሓዊሱ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ነቲ ዕልዋ ዝመርሕ ዝነበረ ኰለነል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ ካብ ክተሓዝ ነብሱ ከጥፍእ መሪጹ።
ዲፕሎማት ኣብ ናይጀርያ ዝነበረ ዘርእስላሰ ሺከረ፡ "ከም ኢሳይያስ ዝኣመሰሉ መራሕቲ፡ ሓቀኛ ዝዀነ ፖለቲካውን ማሕበራውን ትካላት ይዅን ልዕልና ሕጊ ክነግስ ኣይፈቕዱን እዮም፡" ይብል - እዚ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ዶክትረይት ትምህርቱ ኣብ ምዝዛም ዝርከብ ምሁር።
ዘርእስላሰ ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ናይጀርያ ዝነበሮ ቦታ ሓዲጉ እዩ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዕቝባ ሓቲቱ። ሓላፊኡ ዝነበረ ካብ መስረትቲ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝዀነ ዓሊ ዕመሩ ድሕሪ ስርሒት ፎርቶ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣቱ ዛጊት ደሃዩ ኣይተሰምዐን።
"ቅዋም ኤርትራ ንዘይተወሰነ እዋን ምድስካሉን ትካላት መንግስቲ ናብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ምጥርናፈንን፡ ኣብዚ መንጽር'ዚ ኣእቲኻ ክርአ ኣለዎ፡" ይብል።
ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተነጸለ ኢሳይያስ፡ ካብ ዓለማዊ መድረኽ ኣንሰሓበ። ኣብ ከም ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራትን ኣኼባታት ሕብረት ኣፍሪቃን ዝኣመሰሉ ዋዕላታት ምክፋል ኣቋረጸ።
ቍጠባ እታ ሃገር "ይሳሓግ" ከም ዘሎ፡ ባንኪ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘካየዶ ገምጋም ይሕብር።
እቶም ጸሓፍቲ፡ "ቍጠባዊ ንጥፈታት ብሰንኪ ዘይምዕቡል መሰረተ-ልምዓት፡ ድሩት ውድድር (መንግስቲ ስለ ዝቈጻጸሮ)ን ጽኑዕ ቍጽጽር እትዋትን ተገዲቡ ኣሎ፡" ይብሉ'ሞ፡ ጽላት ፋይናንስ "ድኹም" ኰይኑ ከም ዝጸንሐ ገሊጾም።
ኢሳይያስ ባዕሉ ኣብ ታሕሳስ ዝሓለፈ ዓመት ምስ መንግስታዊ ተለቪዥን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ጸገማት ከም ዘሎ ተኣሚኑ እዩ።
"ናይ ዕንጋሎ ቍጠባ ናብ ዝዀነ ኣየብጽሓናን እዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣብዚ መዳይ ካብ ሓያሎ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓሸ ኵነታት ኣይኰንናን ዘለና፡" ኢሉ።
ይዅን'ምበር፡ ኢሳይያስ ነቲ "ርእሰ-ምርኰሳ፡" ዝብል መትከሉ ዝጻረር እዩ ኢሉ ስለ ዝኣምን ሰብኣዊ ሓገዛት ይነጽግ እዩ። ምኽንያቱ፡ ሰባት ኣብ ካልኦት ክምርኰሱ ክገብሮም ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ኣለዎ።
ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
መንብሮ፡ ንሓያሎ ኤርትራውያን ኣዝዩ ከቢድ እዩ - ብፍላይ ነቶም ኣብ መወዳእታ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጸሚዶም ዘለዉ መንእሰያት። ከምዚ ክኸውን ዝኸኣለ፡ ብሰንኪ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዝተፈጥረ ዘየቋርጽ ግጭትን ወጥርን ምዃኑ መንግስቲ ይገልጽ።
ብዙሓት ሰባት ፖለቲካዊ ለውጢ ብዘይ ምህላዉ ተስፋ ስለ ዝቘረጹ፡ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ላሕ ስለ ዘበሎምን መንግስቲ ብዝገብሮ ዓመጽ ስለ ዝተጐድኡን ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ብምእታው ንድልያ ሓርነት ካብ ሃገሮም ጸው ይብሉ።
ኢሳይያስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መዓልቲ ናጽነት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ክርእዩዎ ብዛዕባ ዝትስፈውዎ ለውጢ ዝዀነ ፍንጪ ኣይሃበን። ቅዋም፡ ሃገራዊ ምርጫ ይዅን ምፍታሕ ፖለቲካውያን እሱራን ኣመልኪቱ ዋላ ሓደ ኣይበለን።
ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ነቲ ኣብ ጻዕረ-ሞት ዝበጽሐ ቍጠባ ናይታ ሃገር ንምቕያር ዝሕግዝ ጭቡጥ ውጥን ኣየቕረበን።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዋላ እኳ ካብ ሓያሎ ነቐፌታ ዝወርዶ እንተዀነ፡ ገና ደገፍ ኣብ ገለ ሰባት ኣለዎ። ኣብ ወተሃደራዊ ሓይልን ገዛኢ ውድብን ሓዊሱ፡ ከም ትእምርቲ ሃገራዊ ናጽነትን ተቓላሳይ ኣንጻር ባዕዳዊ ምትእትታውን ይርእዩዎ።
ገለ ድያስፖራ፡ መንግስታት ምዕራብ ነቲ ብመስዋእቲ ዝተረኽበ ናጽነት ንምድኻም ዝተኣልመ ውዲት ከም ዘሎ ብምእማን ንፕረዚደት ኢሳይያስ ሓያል ደገፍ ይህቡዎ።
ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣብ ኤርትራ ተስፋ ምቝራጽ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ኢሳይያስ ኣብ 2014 ካብ ኣስመራ ብምውጻእ ኣብ ዓዲ ሃሎ ሰፈረ። ነቲ ዝህነጽ ዝነበረ ዲጋ ሎጎ (ዓዲ ሃሎ) ድማ ብቐረባ ይከታተሎ።
ኢሳይያስ ናብ 80 ዓመት ኣብ ዝጽግዓሉ ዘሎ እዋን፡ ብድሕሪኡ መጻኢ ናይታ ሃገር እንታይ ክኸውን እዩ ዝብል ስግኣት ናይ ብዙሓት እዩ።
በዅሪ ወዱ ስልጣን ንምትካእ ዝተገብረ ምድላው ዝነበረ ይመስል። ኣብቲ ኣብ 2018 ዝተኻየደ ኣኼባ ካቢነ ምኒስተራት ተቓውሞ ከም ዝጐነፎ ይንገር እዩ። ብድሕሪኡ ካቢነ ምኒስተራት ኣይተኣከበን።
ኣብታ ሃገር ነዚ ዘሎ ስርዓት ክትክእ ዝኽእል ውጥን ስግግር ወይ ተቐባልነት ዘለዎ ተቓውሞ ስለ ዘየሎ፡ ንብዙሓት ክንዮው ኢሳይያስ ክሓስቡ ይኸብዶም።
"እታ ሃገር ረሞቕ ከይትብል ሒዙዋ ዘሎ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት እዩ፡" ክብል ዘርእስላሰ የጠንቅቕ።
ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ፋሲካ፡ ኢሳይያስ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ቅድስቲ ማርያም ኣስመራ መስቀል ክሳለም ተራእዩ። ገለኦም መንፈሳዊ ድሕነት ይደሊ ከም ዘሎ ይኣምኑ፣ ገለኦም ድማ ፖለቲካዊ እሱራት ክፈትሕ ከም ዝኽእል ተስፋ ይገብሩ።
እንተዀነ፡ ኢሳይያስ ገና ኣብ ስልጣን ኣብ ዘለወሉ፡ ኤርትራውያን ነቲ ብሃንቀውታ ነዊሕ ዝተጸበዩዎ ለውጢ ሕጂ'ውን ኣብ ምጽባይ ይርከቡ - ትጽቢት ጎዶ።